• ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (02 ሚያዝያ 2026)
    Apr 2 2026
    ን ሎሚ ሓሙስ 2 ሚያዝያ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣቶ ሰመረ ሰሎሞን፡ ብዝለዓለ ጽፍሒ ናይ ሓላፍነት ዝሰርሐን ናይ ልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ተመክሮ ኣብ ዓውዲ ሃገራውን ኣህጉራውን ልምዓት ዘለዎን ክኢላ ኤርትራዊ እዩ። ኣብ ከም ሕቡራት ሃገራትን (United Nations) ኤጀንሲ ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን (USAID)፡ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ኣህጉራውያን ትካላትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ኤርትራ ዘገልገለን እዩ። ብዛዕባ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ዝጸሓፋ መጽሓፍ “ኤርትራ፡ ቀለስቲ ሓሳባት ንሕውየት ሃገር” ምርኩስ ጌርና ናይ ዝገበርናዮ ሰፊሕ ቃለ መሕትት መቐጸልታኡ ከነቕርብ ኢና። ፍሉይነት ብዙሕነት እንስሳ ዘገዳምን ኣትክልትን ኣውስትራሊያ: ብምንታይ ፍሉያት ከምዝኾኑን ዘንጸላልዎም ዘሎ ሓደጋ ምጽናትን። ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ፥ ኣብ ትግራይ ‘’ምችው ባይታ የለን’’ ብዝብል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝተኻየደ ንትግራይ ዝጥምት ዘተ ተቓውሞ ገጢምዎ። ኣብ ኤርትራ ኣባላት 38 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ወተሃደራዊ ስልጠና ጀሚሮም።ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ ሓደ ካብ ኣካታዕቲ ዛዕባታት ኢዩ። ኢትዮጵያ ናብ ዕብየት ዘፈር መዓድን ኣብ እትገብሮ ዘላ ምስግጋር፡ ሰደድ ወርቂ ናብ 3.5 ቢልዮን ዶላር ወሰኹ ኣርእዩ። ንኢትዮጵያ ነዳዲ ንምቕራብ ውዕሊ ዝፈረማ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ነቲ ፍርያት ከቕርባ ከምዘይክእላ ተገሊጹ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም። ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ኣውስትራሊያዊያን ኣብ እዋን ቅልውላው ነዳዲ ህዱኣትን ንሓድሕዶም ዝተሓጋገዙን ክኾኑ ንምምሕጻን ሃገራዊ መግለጺ ኣቕሪቡ ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ፡ ኣመሪካን ፕረዚደንትኣ ዶናልድ ትራምፕን ፡ ኢራን ነቲ ኲናት ደው ንምባልን ኣብ ዝግበር ዝዀነ ዝርርብ ንኽትኣቱ ቃና ቋንቋኦም ክቕይርዎ ከም ዘለዎም ተዛሪቡ ። ሃገራዊት ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ዒራቕ ድሕሪ 40 ዓመታት ካብ ፊፋ ምግላላ ኣብዝገበረኦ ግጥም ን ቦሊቪያ 2 ብ 1 ብምስዓራ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኢራቓውያን ሓጎሶም ገሊጾም።
    Show more Show less
    53 mins
  • ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (02 ሚያዝያ 2026)
    Apr 2 2026
    ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ኣውስትራሊያዊያን ኣብ እዋን ቅልውላው ነዳዲ ህዱኣትን ንሓድሕዶም ዝተሓጋገዙን ክኾኑ ንምምሕጻን ሃገራዊ መግለጺ ኣቕሪቡ ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ፡ ኣመሪካን ፕረዚደንትኣ ዶናልድ ትራምፕን ፡ ኢራን ነቲ ኲናት ደው ንምባልን ኣብ ዝግበር ዝዀነ ዝርርብ ንኽትኣቱ ቃና ቋንቋኦም ክቕይርዎ ከም ዘለዎም ተዛሪቡ ። ሃገራዊት ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ዒራቕ ድሕሪ 40 ዓመታት ካብ ፊፋ ምግላላ ኣብዝገበረኦ ግጥም ን ቦሊቪያ 2 ብ 1 ብምስዓራ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኢራቓውያን ሓጎሶም ገሊጾም።
    Show more Show less
    9 mins
  • ናይ ኢትዮጵያ ሰደድ ወርቂ ናብ 3.5 ቢልዮን ዶላር ወሰኹ ኣርእዩ። (ጸብጻብ)
    Apr 1 2026
    ኣብ ትግራይ ‘’ምችው ባይታ የለን’’ ብዝብል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝተኻየደ ንትግራይ ዝጥምት ዘተ ተቓውሞ ገጢምዎ። ኣብ ኤርትራ ኣባላት 38 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ወተሃደራዊ ስልጠና ጀሚሮም።ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ ሓደ ካብ ኣካታዕቲ ዛዕባታት ኢዩ። ኢትዮጵያ ናብ ዕብየት ዘፈር መዓድን ኣብ እትገብሮ ዘላ ምስግጋር፡ ሰደድ ወርቂ ናብ 3.5 ቢልዮን ዶላር ወሰኹ ኣርእዩ። ንኢትዮጵያ ነዳዲ ንምቕራብ ውዕሊ ዝፈረማ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ነቲ ፍርያት ከቕርባ ከምዘይክእላ ተገሊጹ።
    Show more Show less
    9 mins
  • መጠኑ ዝሓለፈ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ሱዳን፥
    Apr 1 2026
    ካብ ውግእ ሱዳን ዘምለጣ ዉጻእ መዓት ደቀንስትዮን ኣዋልድን ጾታዊ ዓመጽ ፣ መግረፍትን መግሃስትን ከምዘጋጠመን ገሊጸን። ሰራሕተኛታት ረድኤት ድማ እቲ ኣብዘን ደቂ ኣንስትዮ ዝወርድ ዘሎ ስቓይ ካብቲ ናብ ሕክምና ዝበጽሓ ዘለዋ ኣጸቢቑ ይዛይድ ። ብመዲስንስ ሳንስ ፍሮንቴር ዝወጸ ሓሽ ጸብጻብ ከምዘመልክቶ፡ ኣብ ዳርፉር ጾታዊ መጥቃዕቲ ኣስፋሕፊሑ ከም ዘሎን ብዙሓት ካብቶም ዝደሓኑ ሰባት እውን ክብጽሑ ኣይትኻእለን ።
    Show more Show less
    10 mins
  • ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (01 ሚያዝያ 2026)
    Apr 1 2026
    **እስራኤል ኣንጻር ፍልስጢኤማውያን ኣውጺኣቶ ዘላ ናይ ሞት ፍርዲ ዓለማዊ ኩነኔ ይበጽሖ ኣሎ። *** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ሎሚ ምሸት ሰዓት 7 ድ.ቐ. ኣብ ኵለን ናይ ተለቪዥንን ናይ ሬድዮን መርበባት ብቐጥታ ንህዝቢ መግለጺ ክህብ እዩ ። ** ኤርትራ ኣንጻር ኢስዋቲኒ ዘካየደቶ ካልኣይ እግሪ ግጥም ዓሊ ሱለይማይን ብዘቑጸረን ክልተ ሸቶታት ተዓዊታ ብድርብ ዓወት ናብ መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ ሓሊፋ።
    Show more Show less
    5 mins
  • #107 Protecting Wildlife | Talking About Animals and Nature (Med) - #107 ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ምስ SBS | ዝርርብ ብዛዕባ እንስሳን ተፈጥሮን (Med)
    Mar 31 2026
    Learn useful English for talking about animals, nature, and protecting wildlife. Practise everyday phrases for discussing threats to animals, expressing concern, and describing the environment. - ብዛዕባ እንስሳታትን ተፈጥሮን ሓለዋን እንስሳ ዘገዳም ንምዝርራብ ጠቓሚ ዝርርብ ብእንግሊዝኛ ንምሃር ። ብዛዕባ ስግኣት እንስሳታት ፡ ብዛዕባኦም ሻቕሎት ንምግላጽ ፡ ከምኡውን ንኣከባቢ ንምግላጽ መዓልታዊ ሓረጋት ንለማመድ ።
    Show more Show less
    9 mins
  • Australia’s unique wildlife: what makes it special and what’s at risk - ፍሉይነት ብዙሕነት እንስሳ ዘገዳምን ኣትክልትን ኣውስትራሊያ: ብምንታይ ፍሉያት ከምዝኾኑን ዘንጸላልዎም ዘሎ ሓደጋ ምጽናትን።
    Mar 31 2026
    Australia is one of the most biodiverse places on Earth, home to wildlife and plant species found nowhere else on the planet. In this episode of Australia Explained you’ll learn about what makes Australia’s biodiversity so special, the threats it faces and how we can all help protect it. - ኣውስትራሊያ ሓንቲ ካብቶም ኣብ ምድሪ ብዙሕነት እንስሳ ዘገዳምን ኣትክልትን ዝነብሩላ ሃገር እያ ። ኣብዚ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ መደብና ብዛዕባ ኣብ ኣውስትራሊያ ውሽጢ ዘሎ ህይወታዊ ብዙሕነት ፍሉይ ዝገብሮ እንታይ ከምዝኾነን ፡ እንታይ ስግኣት ኣንጻላልይዎ ከምዘሎን ኩላትና ብኸመይ ክንከላኸሎ ከምንኽእልን ክንፈልጥ ኢና ።
    Show more Show less
    11 mins
  • መንግስቲ፡ ንናህሪ ዋጋታት ነዳዲ ንምርግጋእ ላዕሊ ታሕቲ ይብል፥ ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (31 መጋቢት 2026)
    Mar 31 2026
    ** ኣብ ኲናት ኢራን ንዝወጽእ ዘሎ ቢሎናት ዶላራት ሃገራት ኣዕራብ ክከፍሎ ፕረሲደንት ትራምፕ ከምዝሓትት ዋይት ሃውስ ኣፍሊጡ። ** ዕጡቓት ሖቲ ኣንጻር እስራኤል መጥቃዕቲ ደው እንተዘየቢሎም፡ የመን ናብቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ቅልውላው ክትሽመም’ያ ክብል ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ። ** ናብ ኲባ ነዳዲ ንምብጻሕ ዝተበገሰት መርከብ ሩስያ ኣብ ማያት እታ ሃገር ከምዝበጽሐት ተፈሊጡ።
    Show more Show less
    5 mins